{"title":"Solomon Berhe","description":null,"products":[{"product_id":"warsay-book-solomon-berhe-9789994820023","title":"Warsay","description":"\u003cp\u003e'Warsay' volume 10 of the stories of war accounts published by Hdri Publishers, includes stories that the National Service and Sawa - as a military training center and home of vocational schools - played in shaping and changing the attitude of the Eritrean youth from different parts of the country and the role they played in nation building and safeguarding the national sovereignty. Warsaycontains 50 stories accompanied with pictures and an introduction. \u003c\/p\u003e\u003cp\u003eማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ጽንብል ምምስራት ናይታ ትእምርቲ መኸተን ልምዓትን ዝኾነት፡ ሃገራዊ ቅርዓት መንእሰያት ሳዋ፡ እዛ ዋርሳይ ዘርእስታ፡ 49 ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣሕቲሙ ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ።\u003cbr\u003e ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ መደበር ታዕሊም፡ ውሑስ መዕቈቢ ተጋደልቲን ናይ ውግእ ቦታን ዝነበረ ሳዋን ከባቢኣን፡ ድሕሪ ናጽነት ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ጸምዩዎ እዩ ነይሩ። ሳዋ፡ ጥዑም ማያን ኣግራባን ሒዛ ጽምዋ ዓሲሉዋ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ሚያዝያ 1994፡ እቶም እትፈልጦም ናይ ቀደም ተጋደልቲ ደቃ (ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም ህዝባዊ ግንባር ነበር) ንሓደ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ዳግም ተመሊሶማ። ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰያት፡ ብኹሉ መዳይ ዝዂሰኰስሉ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣካዳምያዊን ሞያዊን ስልጠናታት ዝካየደሉ፡ ሃገራዊ መሰልጠኒ ማእከል ንምምስራት።\u003c\/p\u003e","brand":"WoB","offers":[{"title":"GB \/ VERY_GOOD \/ INTERNAL","offer_id":50464684310801,"sku":"GOR013777443","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":false},{"title":"US \/ NEW \/ INGRAM","offer_id":51067394588945,"sku":"NIN9789994820023","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":false}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0784\/4072\/6801\/files\/9994820028.jpg?v=1750732663"},{"product_id":"mekete-book-solomon-berhe-9789994801756","title":"Mekete","description":"\u003cp\u003eኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000፡ ናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዚፍ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራት'ዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ንምንጽብራቕ፡ እዛ መኸተ፡ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ። ታሪኽ ወራር ወያነ ብግዜ ሓጺር ይዅን እምበር፡ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ። ብስነመጐት ሓይሊ፡ ዓመጽ ከንግስ ዘንቀደ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ዕንወትን ምምዝባልን ዘስዓበ ኲናት ድማ'ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓደገኛ ውጥን ፈሺሉ፡ እቲ ኲናት ዕላማኡ ከይወቕዐ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን በርዒኑ ምትራፉ ድማ፡ ነቲ ብቕያታት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመልአ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝያዳ ርዝነት ክውኸሉ ክኢሉ እዩ። ኣብ መእተዊ'ዚ ናይ መጽሓፍ'ዚ፡ ዝምድና ሰውራ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ድማ ብፍላይ ብኸመይ መስርሕ ከም ዝሓለፈ፡ ነቲ ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሩ ደሓን ኣንፈት ዝሓዘ ዝምድና ዘሐርፈፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኲናት ዘዕረገ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ካልእን ምኽንያታት፡ ከምኡ'ውን መስርሕ ናይቲ ኲናትን ጎድናዊ ሳዕቤናቱን ብሕጽር ዝበለ ተተሪኹ ኣሎ። \u003c\/p\u003e","brand":"WoB","offers":[{"title":"- \/ - \/ -","offer_id":51067760640273,"sku":"","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":true},{"title":"US \/ NEW \/ INGRAM","offer_id":51067761852689,"sku":"NIN9789994801756","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":false},{"title":"US \/ WELL_READ \/ SBYB","offer_id":51817144713489,"sku":"CIN9994801759A","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":false}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0784\/4072\/6801\/files\/9994801759.jpg?v=1751129647"},{"product_id":"4824-4845-4720-4752-4877-4648-4872-4853-4618-zeytenegre-gedli-book-solomon-berhe-9789994801817","title":"\u0026#4824;\u0026#4845;\u0026#4720;\u0026#4752;\u0026#4877;\u0026#4648; \u0026#4872;\u0026#4853;\u0026#4618; Zeytenegre Gedli","description":"\u003cp\u003e\u003c\/p\u003e\u003cp\u003eትረኻታት ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ዝበዝሕ ናብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ዘድሃበ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ብመትከል ርእሰ ምርኰሳ፡ ኣብ ሳሕል ዝመስረቶ ደጀን፡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ዝነበሮ ዓቢ ግደ ዛጊት ከምቲ ዝድለ ኣይተተረኸሉን። ዘይተነግረ ገድሊ፡ ንሓደ ክፋል ካብ ዕማማት ደጀን፡ ማለት ንጥፈታት ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት እትትርኽ ቀዳመይቲ ቅጺ ናይ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ ተመኩሮ ክፍልታት ሰውራዊ ደጀን ሳሕል እያ።\u003c\/p\u003e\u003cp\u003e\u003c\/p\u003e\u003cp\u003eኲናት ዘኸትሎ ማሕበራዊ ሽግራት ማእለያ የብሉን። ቁጠባውን ማሕበራውን ድሕረት ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ ብፍላይ እቲ ጾር ኣመና ከቢድ'ዩ። ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ህ.ግ.፡ ምስቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቐ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ሰፊሕ ግፍዒታት፡ ከምኡ'ውን ከቢድ ሳዕቤናት ኲናት (ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ስደት፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ዝኽትምና፡ ደርቂ፡ ጥሜት ወዘተ.) ተኣሳሲሩ፡ ብድሩት ዓቕሚ ውድብ፡ ነቲ ዝነበረ ጥንግናግ ማሕበራዊ ብድሆታት ንምግጣምን ንምቁጽጻርን ኣብ መፋርቕ 1970ታት ዝቘመ ክፍሊ እዩ።\u003c\/p\u003e\u003cp\u003e\u003c\/p\u003e\u003cp\u003eዘይተነግረ ገድሊ፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ነዚ ሰፍ ዘይብል ተልእኾ'ዚ ሒዙ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ውዳበኡን ንጥፈታቱን እናስፍሐን እናማዕበለን፡ ከመይ ገይሩ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዃን ከምዝበቕዐ፡ ነቲ ዝነበረ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምስጋር ዝተራእየ ጻዕርን ምብልሓትን እተዘንቱ እያ። እቶም ትሕዝቶን ዓቕሚን ከይደረተቶም፡ ልዑል ተወፋይነት፡ ኒሕን ሓልዮትን ዓጢቖም፣ ስንኩላን ብጾቶምን ካልኦት ግዳያት ኲናትን ብምሕብሓብ ጥራይ ዘይኮነ ነብሶም ክኢሎም ኣፍረይቲ ክኾኑ ዘኽኣልዎም ኣባላት ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘሐልፍዎ ህይወት ኣብዛ መጽሓፍ'ዚኣ ብስፍሓት ተተሪኹ ኣሎ። \u003c\/p\u003e","brand":"WoB","offers":[{"title":"GB \/ NEW \/ INGRAM","offer_id":52683859919121,"sku":"NLS9789994801817","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":true},{"title":"US \/ NEW \/ INGRAM","offer_id":52764111241489,"sku":"NIN9789994801817","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":true}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0784\/4072\/6801\/files\/9789994801817.jpg?v=1762321663"}],"url":"https:\/\/www.worldofbooks.com\/collections\/author-books-by-solomon-berhe.oembed","provider":"World of Books ","version":"1.0","type":"link"}