{"title":"Tsegai Teclemicael","description":null,"products":[{"product_id":"4757-4637-4757-4723-4845-book-tsegai-teclemicael-9780578966403","title":"\u0026#4757;\u0026#4637;\u0026#4757;\u0026#4723;\u0026#4845;?","description":"\u003cp\u003eሌተናንት ኮሎኔል ታምራት ወንድነህ ኣባል ደርግን ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኣብ ኤርትራን፡ ሓጎስ ገብረኣነንያ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ጕዳይ ኤርትራን ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያን ሰብ መትከልን ራእይን ከም ዝነበሩ፣\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eዑስማን ያሲን፡ ኣባል ማከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ሓላፊ ስለያዊ ጕዳያት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ርቀት ስለያዊ ውዳበታቱን፣\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eተጋዳሊት ኣዜብ በራኺ፡ ካብ ሜዳ ናብ ኣስመራ ሰሊዃ ብምእታው ዝፈጸመቶ ተልእኾን፣\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማርያም፡ እመኑ ኣይትእመኑ፡ ሻዕብያ፡ ኣቶሚክ ቦምብ ሰሪሒ'ሎ፡ ዘበሎ ስዕረት ኣብ ሜዳ ኤርትራን መረሕቲ ኲናት ጀነራላ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስዕረቶም እንታይ ይብሉ ከም ዝነበሩን፣\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ክፉትን ዕጹውን ኣኼባታቶም ኣብ ልዕሊ ናጽነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርሓርነት ኤርትራን ይኣልምዎ ዝነበሩ ስዉር ተጻብኦ ብዕምቆት እተዘንቱ መጽሓፍ'ያ።\u003c\/p\u003e","brand":"WoB","offers":[{"title":"US \/ NEW \/ INGRAM","offer_id":51231453577489,"sku":"NIN9780578966403","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":true}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0784\/4072\/6801\/files\/0578966409.jpg?v=1751327035"},{"product_id":"4656-4619-4842-4725-4771-4709-4632-4688-4616-book-tsegai-teclemicael-9780578964508","title":"\u0026#4656;\u0026#4619;\u0026#4842;\u0026#4725; \u0026#4771;\u0026#4709; \u0026#4632;\u0026#4688;\u0026#4616;","description":"\u003cp\u003eኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 መጠነ ሰፊሕ ኲናት ኣካይደን፡ ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመt ኣብ ከቢድ ሓድሕድ ምትፍናን ይርከባ ነበራ።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eካፒተን ዘርይሁን ኣርኣያ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ፡ ኣብ ሞስኮ ድማ ንሓደ ዓመት ብበረራ ነፋሪት ውግእ ስኾይ ሰልጢኑ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ በሊሕ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ እዩ።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003e13 መጋቢት 2003፡ ካብ ሞስኮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመለሰ። ኣብ ሳልስቱ፡ ናብ መቐለ ተጸወዐ፣ ሓላፊ ደህንነት ረኸቦ፣ ኣብ ስለያ ወደቦ፣ ስልጠናታት ወሰደ፣ ንበረራ ነፋሪት ውግእ ድሓን ኩን በሎ።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003e5 ሰነ 2016 እዩ። ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽሳሳ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ኣብ ሎንዶን ኣኼባ ተወደበ፣ ካፒተን ዘርይሁን ተልእኮ ተዋሂቡዎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሎንዶን በረረ።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eፌሩዝ ስዒድ ዓሊ መኪ፡ ኤርትራዊት-ሶማልያዊት-ጀርመናዊት'ያ። ብፋይናንስ፡ ብማስትረይት ዲግሪ'ያ ተመሪቓ። ኣብ ፍራንክፈርት፡ኣብ ምኽርን ምድላውን ፕሮጀክት ላህ ማየር'ያ ትሰርሕ። ህጹጽ ተልእኮ ክትፍጽም ካብ ስራሕ ክትሰናበት ተነገራ፣ ተሰናበተት፣ ካብ ፍራንክፈርት ናብ በርሊን ገዓዘት።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eፌሩዝ፡ 1.76 ሜትሮ፡ ሓጺር ጸጕሪ ርእሲ፡ ስፍሕ ዝበለ ግንባር፡ ፍሩያት ኣዒንቲ፡ ንኽትስዕመን ዘወናውና ከናፍር፡ ምጥንቲ ኣፍንጫ፡ ጽቡቕ ዝተቐርጸ ደናጉ፡ በላሕን ተዋዛይትን'ያ። ካፒተን፡ ጠላሕ በለቶ፣ ኣብ ፍቀራ ወደቐ። ናብ ኢትዮጳያ ክትኣቱ ሓባበላ፣ ኣተወት። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክትመላለስ ጀመረት።\u003c\/p\u003e \u003cp\u003eክልቲኦም፡ እንታይ ተልእኮ ኾን ተዋሂቡዎም ይኸውን? ሰናይ ንባብ  \u003c\/p\u003e","brand":"WoB","offers":[{"title":"- \/ - \/ INTERNAL","offer_id":52437947810065,"sku":null,"price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":true},{"title":"US \/ GOOD \/ SBYB","offer_id":52437948530961,"sku":"CIN0578964503G","price":0.0,"currency_code":"GBP","in_stock":false}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0784\/4072\/6801\/files\/9780578964508.jpg?v=1759242051"}],"url":"https:\/\/www.worldofbooks.com\/collections\/author-books-by-tsegai-teclemicael.oembed","provider":"World of Books ","version":"1.0","type":"link"}